site advertisement

ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣድሕኑ:: መሰልኩም ፍለጡ:: (Tigrinya)

Victorian Greens

ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣድሕኑ:: መሰልኩም ፍለጡ:: (Tigrinya)


መንግስቲ ለይበር ቪክቶሪያ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣፍሪሱ ነቲ መሬርት ንናይ ብሕቲ ኣማዕበልቲ ንክህብ ይምድብ፡፡
መንግስቲ ነቲ ሓድሽ ህንጻ መብዛሕቱኡ ናይ ማሕበረሰብ ኣባይቲ ክኸውን ምኻኑ ኣየተኣማመነን፡፡ በዚ ሓድሽ መደብ መብዛሕትኡ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ንክኾኑ ክኸውን ከሎ ገለ ካብኡ ናይ ማሕበረሰብ ክኸውን እዩ

ማሕበረሰብኣዊ ኣባይቲ ካብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ዝኸበረ እዩ፡ ክሳዕ 30% ናይ ቤተሰብ እቶት የኽፍል

ካብ ናይ ኮሞንዎልዝ ክራይ ገዛ ሓገዝ እትረኽቡዎ ይወስድን ናይ ውዕል ክራይ ገዛ ግዜ ድማ ሓጺር እዩ፡፡

ናይ ማሐበረሰብ ኣባይቲ ኣገዳሲ ክኸውን ከሎ፡ ንናይ መንግስቲ ኣባይቲ ዝትክእ ክኸውን የብሉን፡፡

ብዙሓት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ነበርቲ ናብቲ ሓድሽ ህንፃ ናይ ምምላስ ውሕስነታዊ መሰል ዘይብሎም፡ ካብ ማሕበረስቦም፡ ቤት ትምህርቲታትን ኣገግሎታትን ተገዲዶም ይለቁ ከምዘለዉ ስክፍታ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

አዚ ቪድዮ’ዚ ሕጋዊ ምኽሪ ኣይኮነን፡፡ንብናጻ ሕጋዊ ኣገልግሎት፡ ንኣብ ጥቓኹም ዝርከብ ማህበራዊ ሕጊ ማአከል ደውሉ፡፡

ቅድሚ ውሳኔ ምግባርኩም ኩሉ ዘድልየኩም ሓበሬታታት ንክውሃበኩም መሰል ኣለኩም፡፡

መሰላትኩም

ብዝኾነ ዘይዓአገብኩሙሉ ነገር ክትፍርሙ የብልኩምን

ኣብ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ክትጽንሑ እንተ ደሊኹም፡ ወይ እቲ ዝተዋህበኩም ገዛ ንቤተሰምኩም ኣዝዩ ዝንእስ እንተ ኮይኑ ንምእታዉ ዘይካኣል እንተኾይኑ ካብ ሕብረተሰብኩም ዝረሓቐ፡ እንተኾይኑ ዝኾነ ነገር ክትፍርሙ የብልኩምን፡፡
ምስ ናይ ቪክቶርያ ገዛውቲ ኣኼባ ምስ ዝህልወኩም ጠበቓ ክህልወኩም ይካአእል
ምስ ገዛውቲ ቪክቶትያ ኣኼባ ኣብ ዝህልወኩም ቅጥታ ውሳኔ ክትገብሩ የብልኩምን፡ ቅጺ አንትሃልዩ ወሲድኩም ብዛኣዕብኡ ሕሰቡሉን ወይ’ውን ካብ ጠበቓ ምኽሪ ርኸቡን፡፡

ተርማጓይ ምስ ዘድልየኩም ሕተቱ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣኼባ ናይ ገዛውቲ ቪክቶርያ ተርጎምቲ ከዳልዉ ይግባእ፡፡ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ገዛውቲ ቪክቶርያ ኣኼባ ኣብ
ዝህልወኩም ከም ኣባል ቤተሰብኩም፡ ዓርኪ፡ ጠበቓ ወይ ደገፍ ሰራሕተኛ ዝኣመሰሉ ንክሕግዘኩም ምሳኹም ውሰዱ፡፡

ብዙሓት ተቐመጥቲ ኣብ ገዛውቲ ቪክቶርያ ገዛ ኣብ ዝብርከተሎም ግዜ ንክቕበሉዎ ተጽዕኖ ዝተገብረሎም ኮይኑ ከም ዝስምዖም ይዛረቡ፡፡ ተጽዕኖ፡ ምፍፍርራሕ ወይ ምጉጣጥ ዝተገብረልኩም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም ናብ ናይ ከባቢኹም ኣባል ፓርላማ፡ ጠበቓኹም ወይ ናብ ተሓላቕ-ሕጊ/ Ombudsman ኣቤቱታ ከተቕርቡ ትክእሉ፡፡

ግሪን ፓርቲ፡ መንግስቲ ከማቻችእን ነቲ ዘሎ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ከዕቅቦን ዝያዳ ሓደስቲ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ክሃንጽ አሞ ነፍሲ-ወከፍ ገዛይ ዝብሎ ዓቕሙ ዝኾነ ዘታኣማምን ቦታ ንክህልዎ ክርኢ ይደሊ፡፡

ንኩሎም ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ነበርቲ፡ እንኮላይ ነቶም ኣብ ገዛኦም ክጸንሑ ዝደልዩን ምስ ማሕበረስቦም ሓቢሮም ክነብሩ ዝደልዩን ንድግፎም፡፡ እንተዳኣ ኣብ ገዛኹም ክትነብሩ ትደልዩ ኮንኩም ክንሕግዘኩም ኢና፡፡ እንተዳኣ እኩል ብዝሒ ዘለዎም ሰባትን ብሓንሳአ ዝሰርሑን ካብ ዘለዉዎ ናይ መንግስቲ ገዛውቶም ክለቑ ዘይደልዩን ኮይኖም ገዛውቶም ከንድሕኖ ንኽእልን፡፡ኣብ ክንዲ መሬት ን ናይ ግሊ ኣማዕበልቲ ዝህቡ ዝያዳ ናይ መንግስቲ ገዛውቲ ንክሃንጹ ተጽዕኖ ንገብረሎም፡፡

ምእንቲ ምስ ማሐብረሰብኩም ክትጽምበሩን ገዛውትኹም ከተድሕኑን ስምኩም ኣድራሻኹምን “ ኣብ ዘለኹዎ ክጽንሕ እደሊ እየ” ዝብል ናብ 0491 618 592 ተክስት/ጽሑፍ ግበሩ፡፡

እዚ ቪድዮ’ዚ ሕጋዊ ምኽሪ ኣይኮነን፡፡ን ናይ ናጻ ሕጋዊ ምኽሪ ናብ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ማሕበረሰብኣዊ ህጊ መእከል ደዉሉ፡፡

ንብናጻ ሕጋዊ ምኽሪ
Inner Melbourne Community Legal: 03 9419 3744
Fitzroy Legal: 03 9328 1885
Southside Justice Connect ብ 03 7037 3200 ተራኸቡ፡፡

ኣቤቱታ ንምግባር ናብ Victorian Ombudsman: 1800 806 314

View Original | AusPol.co Disclaimer

Have Your Say

We acknowledge and pay our respects to the Traditional Owners of country throughout Australia


Disclaimer | Contact Us | AusPol Forum
All rights are owned by their respective owners
Terms & Conditions of Use